ንኣብነት ኣብ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ቦታ ጸገማት ዘጋጥሞም ሰልጠንቲ ብናይ ዝተሓገዘ ስልጠና ተዓጻጻፍነት መደብና [AsA flex] ንድግፍ። ናይ መወዳእታ ፈተና ናይ ምሕላፍ ዕድሎም ንምምሕያሽ ፍሉይ ናይ ፈተና ምድላው ኮርሳት ነቕርብ።
ዝተሓገዘ ስልጠና [AsAflex]።
ዝተሓገዘ ስልጠና [AsAflex] ንደገፍ ሞያዊ ስልጠና ተዓጻጻፊ ኣገባብ ዝውክል ኮይኑ፡ ስሩዕ ኣብ ኩባንያ ዝተመርኮሰ ሞያዊ ስልጠና ብኹለመዳያዊ መሰናድኦን ደገፍን ኣገልግሎታት ዝምልእ እዩ። ንኹባንያታት ኣብ ምጅማርን ምትግባርን ስልጠና ብሓንሳብ ምምኽኻርን ደገፍን ማእከላይ ኣካል ናይቲ ኣምር እዩ።

